ብዛዕባና

ስቕታ ምስባር

“ስቕታ ምስባር” ሓደ ካብ ፕሮጀክትታት ማሕበር ሜድያ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ ። ኣብ ልዕሊ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ጎነጽን ዘቤታዊ ዓመጽን ንምክልኻል ተበግሶ ወሲድና ኣለና።

ዕላማዚ ፕሮጀክት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ማዕረ ዕድላት ንኽህልዎም`ዩ። ንሕና ዘይመኽሰባዊ ማሕበር ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያን ኢና። ነቶም ናይ ስደት ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ብገዛእ ድሌቶም ንማሕበራዊ ጉዳያቶም ምስ ማሕበራዊ ህይወት ስዊዘርላንድ ክቀርጽዎ  ክንሕግዝ ተበጊስና ኣለና።

ራኢና

ራኢና ንሕብረተሰብና ተመክሮታት ዘቤታዊ ኮነ ጾታዊ ዓመጽ ዘየጋጥመሉ፡ ንተሞክሮ ግዳያትን ንጾታ ዝምልከት ኣርኣያን ሰባት ብነቐፌታን ብግህዶን ዝመያየጥሉ፡ በደልቲ ከኣ ብተግባራቶም ተሓተትቲ ዝኾኑሉ ሕብረተሰብ ንምፍጣር እዩ።

ነዚ ንምትግባር ከኣ ሕብረተሰብና ቀጥታ ናይ ሓገዝ ኣገልግሎትን ሓበሬታን ከም ዝህልዎም ክንገብር ኢና።

ልእኽቶና

ን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣፍልጥኦምን ንቕሓቶምን ንምዕባይ ብኢንተርነትን ብመልክዕ ጽሑፋትን ንምዝርጋሕ መባእታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሓበሬታ ምድላው እዩ።

ምስ ኣባላት ቦርድ ጸለውቲ ኤርትራውያንን ምስ ምስመላፍንትና ዝኾና ዝተፈላለያ ሞያዊ ትካላትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ቀጻልን   ኣሳታፍን  ሓሳባት ብምልውዋጥ ኢና ንሰርሕ።

ድርኺትና (ተበግሶና)

`ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ`

ፕሮጀክትና `ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ`  ብ ሓንቲ ኣካያዲት ፕሮጀክት ከምኡውን መራሒት መደብ መኣዲ ዘተ ደቂ  ኣንስትዮ ሰናይት ሓድሽ ትበሃል ኣደ ኢዩ ተበጊሱ። ንሳ ብቋንቋ ትግርኛ  ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን  ዝኸውን ሓጺር ሓበሬታ ዘለዎ ቪድዮታት ኣብ ፕርጀክት “ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ” ሰሪሓ።

ቃለ መጠይቕ “ስቕታ” ዘርእስታ ፊልም

ኣብታ “ስቕታ” ዘርእስታ ቪድዮ  ብ ኣና ሾይ ዝስማ ጸሓፊት ፊልምን ኣባል ማሕበር ሜዳያ ኤርትራውያን(EMBS) ዝተሳእለ ቃለ መጠይቕ፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝወርድ ዓመጽ ሓሳበን ዘይገልጻን ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተ ሰብ ብጋህዲ ዘይዝረብን።

“ዘቤታዊ ዓመጽ “ ዘርእስቱ ዝርርብ

ማሕበር ሜዳያ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ናይ ቃለ ምልልስ ፕሮግራም “ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ግዜ ለብዒ ኮሮና” ዝብል መደብ ኣቕሪብና ኔርና። ካብ ሕብረተሰብና  ብዙሕ ግብረ መልሲ ረኺብና ኢና።

---

ናትና ደገፍ

ሳላ ወፈያ ዝተገበረልና “ስቕታ ምስባር” ዘርእስቱ ፕሮጀክትና ክነተግብሮ ክኢልና ኢና። ንእነበግሶ  ፕሮጀክት ካብ ህዝባዊ ትካላት፡  ናይ ብሕቲ ትካላት ረዲኤት ከምኡውን ካብ ትካላት ቤተ ክርስትያን ደገፍ ንረክብ ኢና።

ነዞም ትካላትን ናይ ረዲኤት ኣካላትን ከምኡውን ነቶም ስሞም ከይፍለጥ ዝደልዩ ወፈይቲ ነመስግን።

ወፈያ

ንፕሮጀክትና ብወፈያ ክትድግፉ ምስ እትደልዩ፡

ወፈያኹም ናብዚ ስዒቡ ዘሎ ቁ. ሕሳብና ክትሰዱ ትኽሉ ኢኹም፡ ንመለለይ ድማ “ስቕታ ምስባር” ዝብል ኣርእስቲ ግበርሉ።

CH95 8080 8002 1851 5153 8

Raiffeisenbank Flawil

የቐንየልና

ስለ’ቲ ዝገበርኩምልና ኩሉ ዓይነት  ደገፍ ነመስግን!

---

ተሳተፍ

ብፍልጠትካን ብመርበብካን ብቓል ኪዳንካን ክትድግፈና እትኽእለሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ!

ምዝርጋሕ

ትሕዝቶ ጎስጓሳትና ብመስመር ሓበሬታ ማሕበር ሜዳያ ኤርትራውያን  ክዝርጋሕ  እዩ። ንትሕዝቶ ፕሮጀክትና ናብ ፈተውትኹም ወይ ናብ መቅርብኩም  ንኽባጻሕ ደግፉና። ብሓባር ንስራሕ

ንናይፕሮጀክትናቀረብንዕድላትንብንጥፈትንካልትንምፍላጥ፡ፍላይርናኣብርክባትኩም (መርበባትኩም) ወይኣብትካልኩም/ማሕበርኩምክትዝርግሕዎትኽእሉኢኹም።ዝተሓትመፍላይርክትእዝዙምስእትደልዩ፡ኣድራሻኹምንብዝሒትደልይዎፍላይርንብኢመይልስደዱልና።ንፍላይርኣብዚጠውቑ፥

ፍላይርጀርመን/ትግርኛ፣ዲጂታላዊስሪት

ፍላይርጀርመን/ትግርኛ፣ዝተሓትመ

ፍላይርፈረንሳ/ትግርኛ፣ዲጂታላዊስሪት

ፍላይርፈረንሳ/ትግርኛ፣ዝተሓትመ

ቦርድ ጸለውቲ ሰባት፡

ኤርትራውያን ዲኹም፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ  ዓመጽን በደልን ኣጸቢቑ ዝስምዓኩም፡ ከምኡውን ኣካል ናይዚ ፕሮጀክት ክትኮኑ ትደልዩ ዲኹም፧ ግደ ሓቂ  ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ  ጸለውቲ ወከልቲ ኤርትራውያን ውልቀ ሰባት ኢና እንምርኰስ።

ኣብ ቦርድ ኣማኸርቲ ጸለውቲ ሰባት ምእንቲ ክትሳተፉ ናብ sb@eritreischer-medienbund.ch  ኢ- መይል ጸሓፉልና።

ሞያውያንን / ትካል ክኢላታት

ምስ ሞያውያን ዝግበር ምትሕብባር ኣብ  ፕሮጀክት ስቕታ ምስባር  ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ሞያውያን ክድግፉና ኣፍደገና ክፉት’ዩ።  ኣብቲ ናይ   ምንቅቓሕን ምክልኻልን ንጥፈታትና ሞያዊ ደገፍ ምእንቲ  ክትህቡና በዚ ኢ- መይል ጸሓፉልና፡

sb@eritreischer-medienbund.ch

መሻርኽቲ ማሕበራት

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ጎነጽን ዘቤታዊ ዓመጽን ዝገልጽ ፕሮጀክት ኣለኩምዶ ፧ መርበብኩም ክተስፍሑ ትደልዩ’ዶ ፧ መኣዲ ዘተ  ንኤርትራውያን  ወይ ዓውደ መጽናዕቲ ንኤርትራውያን ተቕርቡ’ዶ ፧ ንመዛተይ ዝኸውን ትሕዝቶና የድልየኩም’ዶ ፧ በዚ ኢ- መይል  ርኸቡና፡ sb@eritreischer-medienbund.ch

ኣካል ጸለውቲ ሰባት ንምዃን-

መምህራን ፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣክቲቪስት፡ ኣማኻርቲ ስድራቤት ዲኹም፧ ወይ ምስ ብዙሓት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰፊሑን ብንጥፈትን ካብ ዝራኸቡ ዲኹም፧

ትሕዝቶና ኣገዳሲ’ዶ ይመስለኩም ፧

ምሳና ተራኸቡ እሞ ኣብቲ እና ሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ጸለውቲ ሰባትከነሳትፈኩም ኢና። ምስ ካልኦት ቀንዲ ጸለውቲ ኤርትራውያን ኣብ ጉጅለ ዋትስ ኣፕ (WhatsApp) ክንጥርንፈኩም ኢና። ሓሳባትኩም ናብ  ማሕበር ሜዳያ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ (EMBS) ክተፍስሱ ትኽእሉ፡ ምትሕብባርና’ውን ኣይክፍለየኩምን’ዩ።

ርእይቶኹም

ብዛዕባ ፕሮጀክትና ወይ ብትሕዝቶ ሓበሬታና ገለ ርእይቶታት ወይ ሕቶታት እንተ ሃልይኩም ብኽብረትኩም ናብዚ ኢ- መይል ጸሓፉልና።  sb@eritreischer-medienbund.ch.

---

ተወከሱና

ንዝኾነ ሕቶታት ብ መገዲ ኢ- መይል ተወከሱና። sb@eritreischer-medienbund.ch

---

ኣበርክቶ መራኸቢ ብዙሓን

ኣብዚብዛዕባፕሮጀክ «ስቕታምስባር» ዝሕብሩጽሑፋትሚድያክትረኽቡትኽእሉ፥

⁠⁠ቢቢሲትግርኛ፣ጽሑፍ፣ 2023

⁠⁠ቢቢሲትግርኛ፣ፈነወ፣ 2023